ስድራቤታት፡ ካብ 8 ክሳብ 12 ዓመት ዝበጽሕ መደብ
ብመንገዲ ኤክስፕረስ ኣንብብ
ዓው ኢልካ ምንባብን መጽሓፍ ምንባብን መሃርን ዘዘናግዕን እዩ። ውላድካ ብዝያዳ ናጻ ኮይኑ ከንብብን መጽሓፍ ምንባብ ዝያዳ ከስተማቕርን ትደሊ ዲኻ? ከም ወላዲ መጠን ድማ ንውላድካ ኣብዚ ብኸመይ ክትሕግዞ ከም እትኽእል ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ? ካብ 8 ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዶርሊስኤክስፕረስ ኣሎ።
ሓደ ወለንተኛ JES ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ (ብድምር ዕስራ ግዜ) ናብ ገዛኹም ክበጽሕ እዩ። እቲ ወለንተኛ ምስ ውላድካ ብቋንቋ ንምስራሕ ዘዘናግዕ መገድታት ንምርካብ ክሰርሕ እዩ። ኣብ ገዛኻ ንቋንቋ ዝያዳ ኣቓልቦ ብኸመይ ከም እትህቦ ዝሕብር ምኽርታት ክመጸካ እዩ። ንኣብነት ብሓባር ብምንባብ፡ ነንሕድሕድካ ብምዝርራብን ጸወታ (ቋንቋ) ብምጽዋትን። ዋላ ብቋንቋ እንተተጸገመካ፡ ገና ክትጽንበር ትኽእል ኢኻ።እቲ ወለንተኛ ምሳኻ ኮይኑ ኣብ ስድራቤትካ እንታይ ከም ዝሰርሕን ንውላድካ ብኸመይ ክትሕግዞ ከም እትኽእልን ክፈልጥ እዩ።
ኣብ ዶርሊስኤክስፕረስ ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም፡ ኣብ: ላይደን፡ ላይደርዶርፕ ወይ ካትዊክ ትነብሩ እንተኾይንኩም።